Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን እዋናዊን ዛዕባታት ዝጠመተ ሰልጠና ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን እዋናዊን ዛዕባታት ዝጠመተ ሰልጠና ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይወሃብ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እቲ ሰልጠና ኣጀሚረሙዎ።

“የሕልም ጉልበት ለእመርታዊ እድገት” ዘብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ስልጠና ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብዝለዓለ ውፅኢት ብምፍፃምን ተመክሮ ብምስፋሕ፣ ብድሆታት ናብ ዕድል ብምቕያር ረብሓ ሀዝብን ሃገርን ንምርግጋፅ ብዓቕሚ ኣመራርሓ ዝተሓዘሎም ፅሑፋት ብምቕራብ ዘተ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ።

ፓርቲ ብልፅግና ምስ ህዝቢ ብምዃን ብዝፈፀሞም ተግባራት ዝወነኖም ዓወታት ብዝበለፀ ብምጉልባት ኣብ ቀፃሊ ዝካየዱ ኣንፈታት ትኹረት ሓበራዊ ቅዋምን ምድላውን ከምዝፍጠረሉ ተገሊፁ።

ብጠንካራ ፓርቲ ጠንካራ ኣፈፃፅማ መንግስቲ ዕላዊ ብምግባር እቲ ፓርቲ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብጭቡጥ ንምዕዋት ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ከብል ኣብቲ ፓር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክሳብ 15 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ እቲ ስልጠና፥ ካብ ኩለን ክልላት እዛ ሃገርን ክልቲአን ምምሕዳራት ከተማን ከምኡወን ትካላት ፌዴራል ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 2 ሺሕ ላዕለዎት ኣማራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይሳተፉ ኣለዉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.