Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ልዕሊ 512 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 529 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ 2016 512 ነጥቢ 82 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2016ን ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2017ን ብምድሃብ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ልዝብ ኣካይዱ፡፡

ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ ኣብቲ እዋን÷ ኣብ 2016 በጀት ዓመት 529 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ 512 ነጥቢ 82 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ገሊፀን።

በዚ ድማ 96 ነጥቢ 88 ሚኢታዊ ናይቲ ትልሚ ከምዝተኣከበ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ኣታዊ እንትነፃፀር ድማ 70 ነጥቢ 81 ቢሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ተዛሪበን፡፡

ብዳዊት ጎሳዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.