ኣብ ዝተዛዘመ በጀረት ዓመት ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀረት ዓመት ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ከምዝሓበሮ፥ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ሓገዝ ካብ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም ክሳብ 30 ሰነ 2014 ዓ.ም 1 ቢሊየን 186 ሚሊየን 297 ሺሕን 461 ብር ተኣኪቡ፡፡
እቲ ሓገዝ ካብ መሸጣ ቦንድ ውሽጢ ሃገር፣ ካብ መሸጣ ቦንድ ዳያስፖራ፣ ካብ ኣካውንት ህያብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ኣታዊ፣ ካብ መሸጣ ፒንን ካብ ሓፂር መልእኽቲ ስልኪ 8100 Aን ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ዝተጀመረሉ 2003 ዓ.ም ክሳብ 30 ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ካብ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ሜላታት እቶት ብሓፈሻ 16 ቢሊየን 915 ሚሊየን 312 ሺሕን 137 ብር ከምዝተኣከበ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com