ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣሰራርሓ ኢ-ትኬቲንግ ንምጅማር ምድላው ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ዘበናዊ ኣሰራርሓ ግልጋሎት ኣቆራርፃ ትኬት (ኢ-ትኬቲንግ) ንምጅማር ምድላው ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣይተ ባርኦ ሃሰን÷ ኣብ ትካላት መናሃርያ ካብ ኣቆራርፃ ትኬት ጀሚሩ ክሳብ መብፅሒ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ግልጋሎት ኣቆራርፃ ትኬት ከምዝረአ ኣልዒሎም፡፡
“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከባ መውሀቢ ግልጋሎት ትራንስፖርት ሃገር ኣቋራፂ መናሃሪያታት÷ ካብ ወሰኽ ታሪፍ ትራንስፖርት ጀሚሩ ተገልገልቲ ዘጋጥሞም ምንግልታዕ ንምትራፍ እናተሰርሐ ይርከብ” ኢሎም፡፡
ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ መናሃሪያታት÷ ኣሰራርሓ ኢ-ትኬቲንግ ተግባራዊ እከምዝግበር ኣረጋጊፆም፡፡
ነዚ ድማ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተዛዘመ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ንፋና ብሮድካስቲንግ ከፖርፖሬት ተዛሪቦም፡፡
ብብርሃን ደሳለኝ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com