Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅሉ 7 መዓልቲታት ኩነታት ዝናብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኢጋድ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሸውዓተ መዓልቲታት ኩነታት ዝናብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ትካል በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣፍሊጡ።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ሸውዓተ መዓልቲታት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ 50 ክሳብ 200 ሚሊ ሊትሮ መጠን ዘለዎ ማእኸላይ ዝናብ ክህሉ ኢዩ ዝብል ትምበያ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ደቢባዊ ሱዳን፥ ካብ 50 ክሳብ 200 ሚሊ ሊትሮ መጠን ዘለዎ ማእኸላይ ዝናብ ትፅቢት ይግበር።

ብተወሳኺ ኣብ ምዕራብ፣ ደቡብን ምብራቕን ሱዳን፣ ምዕራብን ደቡብን ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ኣብ ክፋላት ምዕራብ ቡሩንዲ፣ ሰሜን ምዕራብ ታንዛኒያ፣ ማእኸላይን ምዕራብን ኬንያ ከምኡ እውን ኣብ ማእኸላይን ደቡብን ሶማሊያ ዝተጠናኸረ መጠን ዝናብ ከምዝህሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ኢትዮጵያ፣ ሰሜንን ደቡብ ምብራቕን ደቡብ ሱዳን፣ ማእኸላይ ኤርትራ፣ ሰሜናዊን ደቡባዊን ሶማሊያ፣ ምብራቕ፣ ማእኸላይ፣ ሰሜን ምዕራብን ገማግም ባሕሪታትን ኬንያ ከምኡ እውን ኣብ ምዕራባዊ ታንዛኒያ ድማ ትሕቲ 50 ሚሊ ሊትሮ መጠን ዝናብ ክህሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ሰሜን ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሰሜንን ደቡባዊን ኤርትራ፣ ሰሜንን ምምብራቕን ኢትዮጵያ፣ ዝተወሰኑ ክፋላት ሰሜን ሶማሊያ፣ ኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ኬንያ ከምኡ እውን ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ማእኸላይ ታንዛኒያ ድማ ደረቕ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ኢጋድ ናብ ግዜኢ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣረጋጊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.