Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ ዝትግበር ፕሮጀክት ምምሕዳር ተፋሰስ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ ዝትግበር ፕሮጀክት ምምሕዳር ተፋሰስ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀክት፥ “ደገፍ ምምሕዳር ተፋሰስ ንምጥንኻር፣ ሓቛፊን ዝስማዕማዕን ለውጢ” ዝብል ስያመ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ብሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ከምኡውን ማእኸል ሃፍቲ ማይን መሬትን ብሓባር ዝትግበር እንትኸውን፥ ሎሚ ኣን ተፋሰስ ኦሞ ጊቤ ብወግዒ ተጀሚሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣባይ፣ ኣዋሽ፣ ቃላያት ወሽመጥ ባሕሪን ተከዘን ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ተፋሰስ ከምዝትግበር ዋና ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ጌጤ ዘለቀ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ደገፍ ገንዘብ እቲ ፕሮጀክት ካብ ኤምባሲ ኔዘር ላንድ ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ሃፍቲ ማይ ብዘላቕነትን ብኣግባቡን ምምሕዳር ዘኽእሉ ዓቕሚታት ቴክኒክ፣ ትካልን መሰረተ ልምዓትን ክብ ምባል ከምዘኽእል ተገሊፁ።

ብወርቃፈራው ያለው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.