Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት መሰመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኢትዮ ኬንያ ስራሕ ክጅምር እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል 500 ኪሎ ቮልት ልዑል መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኢትዮ-ኬንያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ሓይሊ ምምሕልላፍ ከምዝጅምር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ ካብ ሓፂን ተሰከምቲ ዓንዲ መስመር መተሓላለፊ ካብ ምንኽኻእ ንኽዕቀብ እውን ሓቲቱ፡፡

ብፈፃሚ ስራሕ ዘፈር መተሓላለፊ መስመራትን ኮንስትራክሽን መከፋፈልቲ ጣብታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ክብሮም ካሕሳይ ዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ ምስ ሓለፍቲ መምርሕን ምምሕዳርን ዞባ ወላይታን ዞባ ጋሞን ዘትዩ፡፡

ኣብቲ ዘተ እቲ መስመር ንኽልቲአን ሃገራት ናይ ሓይሊ ምትእስሳርን ንኢትዮጵያ ድማ ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ከይዲ ምጅማር ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዘተ ምክያዱ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ዝሓልፈሉ ዞባ ቦረና እንስሳት ዝሕልዉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኢንሱሌተራት ንፀዋታ ብዝብል እናሰበሩ ስለዝኾነ እቲ ተግባር ደው ንምባል ኣገልግሎት ግንዛበ ክሳብ ቁሸታት ኣብ ዘሎ መሓውር ክስራሕ ተሓቲቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.