ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሪቫን ግድብ ህዳሰ ክንቆርፅ ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሪቫን ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ክንቆርፅ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብራህርሂን እናሃቡ ይርከቡ፡፡
ኣብ ምላሾም ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ብምትሕብባር ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብዘይምንም ልቓሕ እናተወገነ ዝርከብ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ሪቫን ክንቆርፅ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡
ምስ ኣሓትና ግብፂ ብዘተ ብዝበለፀ ክንደጋገፍ ከምዘለና ንኣምን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ብምትሕብባር ሓቢርና እንተሰሪሕና ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳረን ብዝበለፀ ምጥንኻር ይክኣል እዩ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ምስ እቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ምስ ግብፂ ዘተ፣ ድርድርን ግድብ ህዳሰ ሕዚ ዘለዎ ኩነታት ንምርኣይን ድልውቲ ምዃና ኣገንዚቦም፡፡
ግድብ ህዳሰ ኩርዓት ኣፍሪካ እዩ÷ንመላእ ኣፍሪካ ምኽኣል ዘርኣናሉ፣ ስሕተት ዝተኣረመሉ እዩ፣ 74 ቢሊየን ሜትሪክ ኪዩብ ማይ ዝሓዝናሉ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ግድብ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ሓዊሱ ረብሕኡ ዕዙዝ ምዃኑ ብምኽባር÷እቲ ግድብ ብምምልኡ ምኽንያት ኣብ ግድብ ኣስዋን ዝጎደለ ማይ የለን÷ንሕና እውን ቃል ዝኣተናዮ እዙይ ንኽንፍፅም እዩ እዙይ እውን ብተግባር ዕውት ኮይኑ ኢሎም፡፡
ብመላኩ ገድፍ