Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ክዘንብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ትፅቢት ከምዝግበር ማእኸል ምርምር ለውጢ ኣየር ምብራቕ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ መብዛሕተኦም ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያን ሰሜን ምዕራብ ደቡብ ሱዳንን ልዕሊ 200 ሚሊ ሊትሮ ዝኾነ ሓያል ዝናብ ክወቅዕ ከምዝኽእል እቲ ማእኸል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ምዕራብን ማእኸላይን ኢትዮጵያ፣ ምዕራብ ኤርትራ፣ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶማሊያ፣ ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ደቡብ ሱዳን፣ ዝተወሰኑ ክፋላት ሰሜን ዩጋንዳን ምዕራብ ኬንያን ድማ ካብ 50-200 ሚሊ ሜትሮ ዝኾነ መጠን ዝናብ ክዘንብ ኢዩ ዝብል ፅፅቢት ከመዘሎ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ማእኸላይ ሱዳን፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ደቡባዊ ኤርትራ፣ ሰሜንን ደቡባዊን ሶማሊያ፣ ምዕራብ ኬንያ፣ ማዕከላዊን ደቡባዊን ኡጋንዳ ከምኡ እውን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ምብራቕን ደቡብን ታንዛኒያ ትሕቲ 50 ሚሊ ሊትሮ መጠን ዘለዎ ማይ ክወቅዕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ መብዛሕተኦም ከባቢታት ታንዛኒያ፣ ቡሩንዲ፣ ሩዋንዳ፣ መብዛሕትኡ ምብራቓዊን ሰሜናዊን ክፋል ኬንያ፣ ማእኸላይ ሶማሊያ፣ ዝተወሰኑ ክፋላት ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ምብራቕ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳን ድማ ደረቕ ኩነታት ኣየር ክህሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.