Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝርገሐን ቀረብን ነዳዲ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከምዘየለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝርገሐን ቀረብን ነዳዲ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከምዘየለ ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ታደሰ ሃይለማርያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ “ነዳዲ የለን” ብዝብል እናተናፈሰ ብዘሎ ወረ ተሸከርከርቲ ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ንምቕዳሕ ዝገብሩዎ ነዊሕ ሰልፊ ምስ ሓቂ ዝተቓረነ ተግባር ኢዩ።

ኣለ ዝበሃል ፀገም ንዓና ግልፂ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ነዳዲ ግዚኡ ሓሊዩ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ከም ኣብነት ድማ 19 ጥሪ 2014 ዓ.ም በቢ መዓልቱ ብማእኸላይ 2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ዝተከፋፈለ እንትኸውን፥ ትማሊ ጥራሕ 3 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ከምዝተኸፋፈለ ኣልዒሎም ።

ይኹን እምበር በቢወርሒ ምስ ምስትኽኻል ዋጋ ነዳዲ ተተሓሒዙ “ኣፈላላይ ዋጋ ይህሉ ኢዩ” ብዝብል ተሸከርከርቲ ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ከምዝተሰለፉ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝፍጠር ኩነታት ምግማት ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ሓደ ሓደ ኣሽከርከርቲ እውን ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ዝተሰለፉ ኣሽከርከርቲ ብምርኣዮም ነዳዲ ዘየለ መሲሉዎም ዝስለፉ ከምዘለዉ ኢዮም እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዝገለፁ።

ብበላይ ተስፋዬ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.