Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ኣስታት 120 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት ይዉገን ኣሎ – ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ኣስታት 120 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት እናተወገነ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ጉጅለ ልምዓት ደኒ ኣይተ ተስፋይ ተኽለሃይማኖት፥ ህዝቢ ትግራይ ካብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ንልዕሊ 30 ዓመታት ጎናጎኒ እቲ ቃልሲ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ተዋፈሩ እናልምዐ ከምዝመፅአን ሐዚ ዉን ብዘተጠናኸረ መልክዑ እናቐፀለ ከምዝርከብን ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ብርክት ዝበሉ ፈልስታት ንምትካል ስራሕቲ ምርባሕ ፈልሲ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ተስፋይ፥ ኣብዚ ዓመት 120 ሚልዮን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣስታት 20 ሚልዮን ዝኣክል ፈልሲ ብዉልቀ ገባራት ክፈልስ ትልሚ ዝተትሓዘ ኮይኑ ዛጊድ ኣስታት 75 ሚልዮን ፈልስታት ምፍላስ ተኻኢሉ ኢዩ።

ከባቢ መሰረት ዝገበሩ ፈልስታት ትኹረት ብምግባር እናተሰርሐ ከም ዘሎ ብምግላፅ ንቁጠባዊ ረብሓ ሕብረተሰብ ዝዉዕሉ ፈልስታት ክትከሉ ኣብ ግምት ብምእታዉ ይሳለጥ ከምዘሎን እዙይ ድማ ብመሰረት ጠለብ ሕብረሰብ ዘርኢ ነናብ ከባቢኡ ከም ዝተለኣኸን ኣፍሊጦም።

ኩነታት ምፅዳቕ ፈልሲ ንምዉሳኽ ኣብ ዝተሳለጠ ዕቀባ ሓመድን ማይን ጠሊ ዓቀብቲ ስራሕቲ ዝተሰርሑ እንትኾኑ ዛጊድ ልዕሊ 5 ሚልዮን ጎዳጉዲ ከምዝተዃዓቱን እቲ ዃዕቲ በብጣብይኡ እናቐፀለ ምዃኑን እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝተተኸሉ ፈልስታት ክንክን ብምግባርን ካብ ምትንኻፍ እንስሳ ብምክላልን ምፅዳቕ ኩነታቶም ክዉስኽ ክትትል እናተገበረ መፂኡ እዩ ዝበሉ እቶም መተሓባበሪ፥ ብዝተገበረ ቀደማይ ዙር ዳህሳስ 77 ሚኢታዊ ከም ዝፀደቐ ኣረዲኦም።

ህዝቢ እዋን ማሕረስ ብምዃኑ እዚኦምን ካልኦትን ስራሕቲ እንትዉግን ኮቪድ-19 ብጥንቃቐ እናተኸላኸለ ንፅህንኡን ርሕቐቱን ብምሕላዉ ካብ መንግስትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝዉሃቡ ኣስተምህሮታት እናተግበረ ልምዓታዊ ስራሕቱ ንኸሳልጥ ኣይተ ተስፋይ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.