Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ካብ ዲያስፖራ ልዕሊ 1 ነጥቢ 37 ቢሊየን በር ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ካብ ዲያስፖራ ልዕሊ 1 ነጥቢ 37 ቢሊየን ብር ደገፍ ብገንዘብን ዓይነትን ከምዝተኣከበ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ምስ ተሳትፎን ልምዓትን ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ብዝተተሓሓዘ ዝተፈፀሙ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ብምግምጋም ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ኣብቲ ገምጋም ተሳትፎ ዳያስፖራ ዘጠናኽሩ 876 ናይ ኢንተርኔትን ገፅ ንገፅን ዘተታት ከምዘተኻየዱ፣ ፈቓድ ኢንቨስትመንት ንዲያስፖራ ምሃቡ፣ ኣባላት ዲያስፖራ ኣካውንት ሸርፊ ወፃኢ ምኽፋቶም ኩለ መዳይ ምንቅስቓስ ዲያስፖራ ነክውስኽ ንምግባር ኣስተዋፅኦ ምግባሮም ተገሊፁ።

እቲ ዲያስፖራ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ፣ ንወፍሪ ህልውና፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ደገፍን ንዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ህንፀትን ስራሕቲ ግብረ ሰናይን ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ነጥቢ 37 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.