Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ ኣይተረኸበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 965 ሰባት ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ ከምዘይተረኸበ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ በቲ ዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ ዘይምርካብ ማለት እቶም ዝተመርመሩ ኣይተለኸፉን ማለት ኢዩ እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና የለን ማለት ኣይኮነን ኢለን።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ክሳብ ሐዚ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዓሊሙ ዝገብሮ ዝነበረ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምዒደን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.