Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 2 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕን 650 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ክልተ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኩሎም ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ዕድመኦም ድማ 23ን 24ን ዝኾኑ ደቂ ተባዕቲዮ ኢትዮጵያውን ኢዮም።

ካብቶም ብቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፁ እቲ ሓደ ኣብ መቐለ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሉ ዝፀንሐ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ክፍሊ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ፥ ቁፅሪ ቫይረስኮሮና ዝተረኸቦም ሰባት ናብ 263 ምባሉ ተሓቢሩ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 108 ሰባት ከመዝሓወዩ እውን ዶክተር ሊያ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.