Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ መዓድን ወርቂ ልዕሊ 505 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ 6 ሺሕን 785 መዓድን ወርቂ ልዕሊ 505 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ክርከብ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ መስኖን ኢነርጂን፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 10 ኣዋርሕ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣብ ከተማ ኣዳማ ገምጊሙ።

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ብብርኪ ሃገር ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም ሓደ ስለዝኾነ፥ ካብ ዝነበሮ ብዝበለፀ ንምልዋጥን ኣብ ውሽጢ ምምሕያሽ ኢኮኖም ብዝተቐመጠ መሰረት ዕዉት ንምግባር ብቑዕን ተወዳዳሪን ሓይሊ ሰብ ናይ ምድላው ስራሕ ከምዝተሳለጠ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣገልግሎቶም ኣቋፆም ዝነበሩ ፍቓድ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ናብ ስራሕ ብምእታው ሓደሽቲ ኩባኒያታት ድማ ኣብቲ ዓውዲ ክዋፈሩ ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ንልዕሊ 93 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ፅሬቱ ዝሓለወ ወርቂ ተፃሪዩ ናብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንኸኣቱ ስራሕቲ ምፅራይን ምምሕያሽን ከምዝተሰርሐ ምግላፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣብ 10 ዓመት ዘቐመጦ ትልሚ ንምዕዋት ኣብዚ ሕዚ እዋን እናሰርሖ ዝርከብ ጅማሮ ዝበረታታትዕ ከምዝኾነን ካብዚ ብዝሐሸ መልክዑ ንኽሰርሕን ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.