Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዓብዩ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዓብዩ ከብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ  ካልኣይ  ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 24 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2016 ብዝምልከት መብርሂ ነቲ ባይቶ ይህቡ ኣለዉ።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዓብዩ ኢሎም።

እዚ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢንዱስትሪን ኣገልግሎትን ብመሰረት ዝተመዝገበ ዕብየት ምዃኑ ገሊፆም።

ነብሲወከፍ ኣታዊ ዜጋታት ድማ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ዝነበረ 983 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ 2014 ዓ.ም ናብ 1 ሺሕን 218 ዶላር መዕባዩ ተዛሪቦም።

ብፌቨን ቢሻው

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.