Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብዝተሰርሐ ስራሕ 4 ቢሊየን ዶላር እቶት ተረኺቡ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ክህልዉ ዝግበኦም ኣንፈታት ትኹረት ሽዱሽተ ኢዮም ኢሎም።

ንሳቶም ድማ፦

  1. ልቓሕ ምቕናስ
  2. ምቕናስ ጉድለት በጀት
  3. ዘለና ሃፍቲ ብቑጠባ ኣብ ረብሓ ምውዓል
  4. ናህሪ ዋጋ ምርግጋዕ

5.እግሪ ምትካልን ሰብኣዊ ሓገዝን

  1. ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅ ከምዘኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉሰለስተ ዓማውቲ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ስለዝተሰርሐ ዝኸፍአ ፀገም ኣየጋጠመናን ኢሎም።

ይኹን እንበር እቲ ሐዚ ዘሎ ናህሪ ዋጋ እውን እንተኾነ ንምቁፅፃር መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ፅኑዕ ምምሕዳር ገንዘብ ምክያድ ብቐዳምነት ዝግለፅ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣፍራይነት ምውሳኽን ኣብ ግብርና ዝተጀመረ ዝንኣድ ስራሕ ምስራሕን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ምዝዛም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ እቶት መንግስቲ 309 ቢሊየን ብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ እቶት ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እንትነፃፀር ብ50  ቢሊየን ብር ወሰኽ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ሰደድ ወፃኢ ዘሎ ኩነታት ንውሑዳት ዓመታት አንተቐፂልናዮ ሚዛን ሰደድን ኣታዊን ንምሕላውን ሸርፊ ወፃኢ ንምምፃእን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊም።

ኢትዮጵያ ካብ 2002 ክሳብ 2012 ዓ.ም ሰለስተ ቢሊየን ዶላር ሰደድ ከምዝገበረት ብምዝኽኻር፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብዝተሰርሐ ስራሕ ልዕሊ ሓደ ቢሊየን ብምውሳኽ ኣርባዕተ ቢሊየን ዶላር እቶት ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።

ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ አንትረአ ናይ 10 ሚኢታዊ ዕብየት ብምርኣይ ልዕሊ 3 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ሓፈሻዊ ሃፍቲ ባንኪታት ኣብዚ ሐዚ እዋን 2 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.