Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 373 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኦሮሚያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 373 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ከምዝተደምሰሱ ተገሊፁ።

ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሰላም እቲ ክልልን ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዲ ሸኔን ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ኮሚሽነር ጀነራል ኣራርሳ መርዳሳ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ፖሊስ እቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተፈኒዩ ኢዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብምግባር ሰራዊት ምክልኻል ንመቐለ ለቒቑ ምስወፅአ፥ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝወሃቦ ልኡኸቶ መሰረት ብምግባር ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ቅንፀላ እናፈፀመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ልዕሊ 2 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዘረፈን ከምዘዕነወን እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ፖሊስ እቲ ክልል ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 373 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተደምሲሶም ኢሎም።

በቲ ወፍሪ 273 ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ልዕሊ 15 ሺሕ ጠያይቲን ካብቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ከምዝተሓደገን እውን ገሊፆም።

እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፥ መናእሰይ እቲ ክልል ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቅላስን ንሓይሊታት ፀፅታ ኣብ ምትሕብባርን ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡን ምትሕስሳቦም ኦቢኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.