Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ምምሕያሽ ሰላም ዝተረኣየሉን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዝተሳለጠሉ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ምምሕያሽ ሰላም ዝተረኣየሉን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዝተሳለጠሉ እዋን ከምዝነበረ መተሓባበሪ ስራሕቲ መንግስቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኤልያስ ሽኩር ገሊፁ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ መተሓባበሪ ስራሕቲ መንግስቲ ፌደራል ኤልያስ ሽኩር÷ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ዝተሰርሑ ተግባራት ውፅኢት ኣመዝቦም ኢሎም።

ነበርቲ ከተማ ሽረ ከባቢኣን ኣብ ውፅኢታት ስምምዕነት ሰላም ኣድሂቦም እናተዛተዩ ይርከቡ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ምርግጋእ ሰላም ንኽመፅእ፣ ትካላት ጥዕና መሊስም ኣገልግሎት ንኽጅምሩ፣ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽጠናኸሩ፣ ማሕበራዊ ትካላት ናብ ስራሕ ንኽምለሱ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተሓቢሩ፡፡

ብመንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ከባቢኡን ሰላሙን ንኽሕሉ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት እቲ ክልል ህዝባዊነቱ ብተግባር ምርኣዩ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ተዛሪቦም።

12 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ናብመረበቶምን ስሩዕ ህይወቶምን ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

ስራሕ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ትሽዓተ ሆስፒታላትን 13 ትካላት ጥዕናን ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ እውን ተሓቢሩ።

181 መኻይን ሓገዝ ፅዒነን ከምዝኣተዋ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ትራንስፖርት ሓዊሱ ካልኦት ተወሰኽቲ ኣገልግሎታት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅምሩ ተገሊፁ።

ብኣፈወርቅ እያዩ፣ ለይኩን ኣለምን ታሪኩ ወልደሰንበትን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.