Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሶሙናት ዝተርኣየ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ኣብ ኣብ ውሽጢ ክልቲኦም ኣዋርሕ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ዘተሓሳስብ ኢዩ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሶሙናት ዝተርኣየ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ኣብ ኣብ ውሽጢ ክልቲኦም ኣዋርሕ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ከም ሃገርን ከም ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት እቲ ቫይረስ ኣመልኪቶም ሚኒስቴር ጥዕና፣ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ቢሮ ጥእና ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን መግለፂ ሂቦም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ በቢመዓልቱ ቁፅሩ ይፈላለ እምበር ኣብ ውሽጢ እቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም በዝሒ ሰባት ፈሊኻ እንትረአ 230 ብምዃኑ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣተሓሳሳቢ ከምዝገብሮ ገሊፀን።

ብዝበለፀ ድማ ኣብ ዝሃለፉ ክልተ መዓልቲታት 49 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ምርካቦም ከም ኣብነት ብምልዓል፤ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ክጠናኸር ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ካብ ምዝንጋዕን ጉድለት ጥንቃቐን ሕብረተሰብ ዝነቐለ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ካብ ውሸድጢ እዚኣቶም 48 ሚኢታዊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ነበርቲ ብምዃኖም፥ ሕብረተሰብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ዮኃንስ ጫላ፥ ካብ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ማእኸል ዕዳጋ መርካቶ ኣብ ዝርከበሉ ክፍለ ከተማ ኣዲስ እውን ቁፅሪታት ብዘተሓሳብ ኩነታት እናወሰኹ ምምፀኦም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ልዑል ምጭንናቕን ጥንቃቐ ዝጎደሎ ምንቅስቓስን ምንካይ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካልኣይ ዙር ስራሕቲ ምፍላይ ሙቐት ገዛ ንገዛ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ እዋን ምፍላይ ሙቐት እውን ብተመሳሳሊ ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ይኹን ንኽክእ ዘይብሎም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ብምግላፅ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ምግንዛብ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን መግለፂ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስግኣቱ እናወሰኸ ምምፅኡ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ክሳብ ሕዚ እዋን ኣብ ሸውዓተ ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝተርኣየን ኣድማሳዊ ዝገሐኡ ኣብ ክልላት ብፍላይ ድማ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትዉ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣቢሉ ብዝበለፀ ከይስፋሕፋሕ ናይ ክትትል ጉጅለ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዘኽብሩዎ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ይመፅእ ስለዘሎ ኣብ ዕድጊትን እቲ ኣብ እዋን ኣከባብራ እቲ በዓልን ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ።

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.