Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዘውፅኡ ቀረባት ምግቢን ኣፋውስን ናብ ትግራይ በፂሑ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዘውፅእ ቀረብ ምግቢን 128 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ኣፋውስን ናብ ትግራይ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቀረብ ሓገዝ እታወት ሕክምና ብዝምልከት እዋናዊ መግለፂ ሂቡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ፥ መንግስቲ ናይ ሓደ ወገን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ጣቢያታት መቐለን ሽረን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ዘውፅኡ ቀረባት ኣፋውስን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ከምዘቐመጠ ገሊፁ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ እዋን፥ ካብ ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ዝተለኣኹ ን6 ወርሒ ዝኣክል ዝተለኣኸ መድሓኒትን ቀረባት ሕክምናን ኣብቲ መግለፂ ተኻቲቱ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሩ ብምትሕብባር መንግስቲ፥ ፈንድ ስነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም፣ ትካል ፍልሰተኛታት ዓለም፣ ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት፣ ምግቢ ንዝጠመዩ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካልን ሲ ኤስ ቲን 658 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ቀረብ ሕክምናን ብ18 ናይ ፅዕነት መኻይን ናብቲ ክልል ከምዝበፅሐ ኣመልኪቱ፡፡

5 ሺሕን 766 ሜትሪክ ቶን ልዑል ፅሬት ዘለዎም ሃነፅቲ ምግቢታትን 37 ሺሕን 976 ሜትሪክ ቶን ቀረብ ምግቢ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ዜጋታት ንኽከፋፈል ናብቲ ክልል ከምዝተለኣኹ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 850 ሺሕ ዩኒት ክታበት ምስ ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ብምትሕብባር ናብቲ ክልል በፂሑ ኢዩ ኢሉ፡፡

ብዙሓት ኬሚካላት መሕከሚ ማይ፣ ናውቲ መሕለዊ ፅሬት፣ ማስክን ጓትን ከምዝበፅሑ እውን ተመልኪቱ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ፥ “ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ግምቱ 1 ነጥቢ 48 ቢሊየን ብር ዘውፅእ ምግቢን 128 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ቀረብ መድሓኒትን ናብ ትግራይ በፂሑ ኢዩ” ኢሉ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.