Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ ብር 143 ቢሊየን ናብ ሃገር ዝኣተወን ኣብ ቀፃሊ ዝኣቱን ልቓሕን ሓገዝን ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ ብር 143 ቢሊየን ናብ ሃገር ዝኣተወን ኣብ ቀፃሊ ዝኣቱን ልቓሕን ሓገዝን ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ኢትዮጵያ ካብ ክልተ ቀንዲ ቀንዲ ፍልፍላት እቶት ልቓሕን ሓገዝን ንመፈፀሚ ፕሮግራማት ልምዓት ከምትረክብ ገሊፁ፡፡

እቲ ሓደ ካብ በይነ መንግስታዊ ትካላትን ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ እንትኸውን፥ ካልኣይ ድማካብ ፍልፍል ምትሕብባር መንግስታት ዝርከብ ኢዩ፡፡

በቲ ዝተፈፀመ ስምምነት ድማ ቃል ዝተኣተወን ዝተተተለሙ ስራሕቲን ንምፍፃም ኣብ ዝቕፅሉ ካብ 3 ክሳብ 10 ዓማውቲ ናብ ሃገር ዝኣቱ ብር 77 ነጥቢ 33 ቢሊየን ልቓሕን ሓገዝን ተረኺቡ።

ካብ ሞንጎ እዚ እቲ ብር 17 ነጥቢ 69 ቢሊየን ብልቓሕ ከምኡ እውን ብር 59 ነጥቢ 64 ቢሊየን ድማ ብሓገዝ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ እውን ቅድም ክብልን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ካብ ዝተረኸበ ሃፍቲ ኣብ መንፈቕ ዓመት ናብ ውሽቲ ሃገር ዝኣተወ ሓገዝን ልቓሕን ብር 66 ቢሊየን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብ ሞንጎ እዚ ብር 29 ነጥቢ 67 ቢሊየብ ብልቓሕ እንትኸውውን፥ ዝተረፈ ብር 36 ነጥቢ 39 ድማ ብሓገዝ ዝተረኸበ ምዃኑ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.