Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 2 ነጥቢ 52 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 2 ነጥቢ 52 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 5ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገምጊሙ።

ነቲ ባይቶ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ዘቕረቡ ሚኒስትር ገብረመስቀል ጫላ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 2 ነጥቢ 52 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ኣብቶም ኣዋርሕ ካብቲ ዓውዲ 2 ነጥቢ 77 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ ከምዝነበረ ብምሕባር ካብ ትልሙ 91 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኸኣለ ኣብሪሆም።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ድማ 20 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.