Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ልዕሊ 227 ቢሊየን ብር ውዕሊ ፕሮጀክት መገዲ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ልዕሊ 227 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም 129 ህንፀትን 30 ከቢድ ፅገና መገዲን ስምምዕነት ውዕሊ ፕሮጀክት መገዲ ከምዝተፈፀመ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ኣይተ ካሳሁን ጎፌ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ፕሮግራም ልምዓት ዓውዲ መገዲ ከም ጉድለት ካብ ዝተረኣዩ ጉዳያት ሓደ ዓሚቕ ሃፍቲ ንሃገር ልዑል ረብሓ ዘለዎም ወሰንቲ ኮሪደራት ዘይምኽፋቶም ኢዩ፡፡

አ ቲ ጉድለት ንምፍታሕ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብ”GTPII” ተታሒዞም ዝነበሩ ህንፀት ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኮሪደራት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፣ ሶማሌ፣ ባሌ፣ ደቡብ ምዕራብን ምዕራብን ኢትዮጵያን ካልኦት ከባቢታትን ብምጅማር ርኡይ ለውጢ ምምፃእ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ህንፀት ስራሕቲ ፊዚካል ፕሮጀክታት መገዲ ብነባር መገዲታት ምጥንኻር፣ ብርኪ ነባር መገዲታት ምምሕያሽ፣ ህንፀት ናይ ቅልጣፈ መገዲን ሓደሽቲ መገዲታትን 3 ሺሕን 741 ኪሎ ሜትሮ ተሳሊጡ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ 30 ሺሕን 865 ኪሎ ሜትሮ ከቢድ ፅገናን ስሩዕ ፅገናታትን ከምዝተኻየደ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.