Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ዘፈር መዓድን ልዕሊ 302 ሚሊየን ዶላር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ዘፈር መዓድን ልዕሊ 302 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ 4 ሺሕን 83 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ቀሪቡ 299 ሚሊየን ዶላር ምርካቡ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ካብ መዓድናት ገይፀ መይፂ 3 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ምርምርን ምፍራይን መዓድን ንምውፋር ፍቓድ ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም 63 ትካላት ብዘርአዩዎ ድኹምኣፈፃፅማ ፍቓዶም ከምዝተሰረዘ ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እዚኦም እቶም 38 ትካላት ኣብ ምፍራይ መዓድን ዝተዋፈሩ እንትኾ፥ እቶም 25 ትካላት ድማ ኣብ ምርምር መዓድን ዝተዋፈሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ብብስራት መለሰ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.