Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወፍሪ ምስፍሕፋሕ ፈልሲ ምሩፅ ዘርኢ ፓፓያ 10 ሺሕን 400 ሄክታር በፂሑ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወፍሪ ምስፍሕፋሕ ፈልሲ ምሩፅ ዘርኢ ፓፓያ በቢዓመቱ እናወሰኸ ብምምፃእ ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 10 ሺሕን 400 ሄክታር መሬት ከምዝበፅሐ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ንወፃ ዕዳጋ ዝውዕሉ ፍራያታት ፍረምረ ብበአረሒን ብፅሬትን ናይ ምፍራይ ስራሕ ብቕልጡፍ ኣብምትግባር ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተጀመረ ወፍሪ ምስፍሕፋሕ ፈልሲ ምሩፅ ዘርኢ ፓፓያ÷ በቢዓመቱ እናወሰኸ ብምምፃእ ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 10 ሺሕን 400 ሄክታር መሬት ከምዝበፅሐ ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ዓመት ኣብ 50 ሺሕ ሄክታር መሬት ፈልሲ ምሩፅ ዘርኢ ፓፓያ ንምልማዕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ 135 ሚሊየን ፈልሲታት ንምስንዳእ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ክሳብ ሕዚ 127 ሚሊየን ፈልሲታት ብምስንዳእ ዝተትሓዘ ተልሚ ንምዕዋት ሰፊሕ ርብርብ እናተገበረ ይርከብ” ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ብዘሎ ዝተረፈ ግዘ እቲ ትልሚ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዕወት ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.