Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ካብ ፍርያት ወርቂ ልዕሊ 560 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ካብ ፍርያት ወርቂ ልዕሊ 560 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር መዓድን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታ ዘፈር መዓድን ንካልኦት ዓውዲታት ዝተውሃቦ ትኹረት ዝኣክል እንተይረኸበ ምፅንሑ ሚኒትር ዲኤታ እቲ ሚኒቴር ኣይተ ቶማስ ቱት ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን መንግስቲ ብብርኪ ሃገር ልዑል ትኹረት ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ዓውዲታት ሓደ ከምዝኾ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ብመዓድን ወርቂ ዝፍለጥ ክልል ጋምቤላ ብስፍሓት ወርቂ ዝፈርየሎም ዞባታት ኣኝዋክን ማጃንግን ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ወረዳታት ብግቡእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብስፍሓት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዓውዲ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ እናፈጠረ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ምውፋር ስራሕ ኣብ ኣርባዕቲአን ወረዳታት ብማዕረ ደረጃ ናይ ምንቅስቓስ ክፍተት ከምዘሎ ኣልዒሎም፡፡

ከም ሃገር ብዙሕ መዓድን ወርቂ ከምዝርከበሎም ዝፍለጡ ክልላት፥ ጋምቤላ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ኦሮሚያን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ከምዝኾኑን መፅናዕቲ እንተዝግበር ኣብ ካልኦት ክልላት እውን መዓድናት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ገሊጾም፡፡

ኢትዮጵያ ካብ ዘፈር መዓድን ብዝበለፀ ተረባሒት ንኽትከውን እቲ ዓውዲ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ኣካላት እውን ክድግፉዎ ከምዝግባእ ፀዊዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.