Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቂ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምርዳእ ስራሕቲ ተሰሪሖም – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቂ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምርዳእ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያትወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ሓቢረን ንምስራሕ ዘለወን ድሌት ከምዘርአያ ገሊፆም።

ምጥያሽ ሓዱሽ መንግስቲ ስዒቡ፥ መራሕቲ ሃገራት ፖላንድ፣ ቤልጀም፣ ፊኒላንድ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቻይና፣ ቬንዙዌላ፣ ሩሲያ፣ ቻይና፣ ጀርመን፣ ሰሜን ኮርያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት መልእኅቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም ኢዮም ኢሎም።

ኣብ መበል 39 ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ነተን ሃገራት ገለፃ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያ እዋናዊ ፀገም ሰላም ንምፍታሕ ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ከምተቕርብ ምግላፃ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕብረት ኣውሮፓ ዝተሰሓሓተ ቅዋም ንምስትኽኻል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣቦ መንበር ናይዚ እዋንን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስኖቪኒያን ከምዝተዛተዩ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሓገዝ ፅዒነን ዝኸዳ ልዕሊ 420 ተሸከርከርቲ ናብ ተግባር ኲናት ከምዘውዓለ እውን ኢትዮጵያ ነቲ ሕብረት ገለፃ ገይራ ኢያ ኢሎም።

ምስ ጉጅለ ልኡኽ ስዑድ ዓረብ፣ እስራኤልን ደቡብ ሱዳንን ልዝብ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዲና፥ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ዝተዛበዐ ቅዋም ንምስትኽኻል ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዝተሰርሑ ኣፍሊጦም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ዘቢብ ተክላይን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.