Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘፈር ፍትሒ ንስግግር ፍትሒን ፍኖተ ካርታ መሰረታዊ ለውጢ ፍትሒን ትኹረት ተዋሂቡዎም ኣሎ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘፈር ፍትሒ ንስግግር ፍትሒን ፍኖተ ካርታ መሰረታዊ ለውጢ ፍትሒን ትኹረት ዝተውሃዎም ጉዳያት ከምዝኾኑ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ ስራሕ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2016 ሚኒስቴርን ፍትሒ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)÷ ኣብቲ ሚኒስቴር ብመንፅር ፍትጀሒ ብዋናነት ኣብ ጉዳይ ፀፅታን ጉዳያት ምምሕያሽ ዘፈር ፍትሒ ትኹረት ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

በዚ ድማ ፀፅታ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ስግግር ትርከብ ብምዃና ናይ ስግግር ፍትሒ ምኽታል ግቡእ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

መመሓየሺ ዓውዲ ፍትሒ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምሕባር÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት መንግስቲ እናተሰርሐሎም ዝፀንሑ ምምሕያሻት ዓውዲ ፍትሒ ጥንካረታትን ድኽመትን ብምፍላይ ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ መሰረታዊ ለውጢ ፍትሒ ከምዝተሰናደአ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ፍኖተ ካርታ ምስ ክልላት ብምዝታይ ናብ ተግባር እናተኣተወ ከምዝኾነን ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ተተግቢሩ ለውጢ ምርኣይ ከምዝተጀመረን እውን ኣብሪሆም፡፡

ጎንፂ ንምክልኻልን ንምፍታሕን ዓቕሚ ኣብ ምድንፋዕ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዉ ጎንፂታት ንምፍታሕ ካብ ምኽባር ሕጊ ብተወሳኺ ምስ ሕብረተሰብ ምዝታይን ኣብቲ ጎንፂ ምስ ዝሳተፉ ወገናት ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዘለዉ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

ብኣመለወርቅ ደምሰው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.