Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝስርሑ ስራሕቲ ፈጠራ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ፈጠራ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምግባ ልዑል ኣስተዋፅ ከምዘለዎ ሚኒሰስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ዶክተር ሊያ፥ ኣብ ስትራቴጂክ ትልሚ ጥዕና ሓሙሽተ ዓመት ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ብምድንፋዕ ዝሐሸ ጥዕና ንሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪበን፡፡

ፅሬት ንምምፃ ድማ ስራሕቲ ፈጠራ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ኣብሪሀን፡፡

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ “ግራንድ ቻሌንጅ ኢትዮጵያ” ምስ “ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሐሃንሰን” ብዝተገበረሉ ሓገዝ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፈጠራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ተረኺበን ዑደት ገይረን፡፡

ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ናብ ስራሕ ዝኣተወ “ግራንድ ቻሌንጅ ኢትዮጵያ” ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፈጠራ ቅድሚት ቦታ ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝስርሑ ስራሕቲ ፈጠራ ሓገዝ ከምዝግበረሎም እውን እተን ሚኒስትር ኣረጋጊፀን።

ብተመስገን ኣለባቸው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.