Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘፈር ጥዕና ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብር ኢዩ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ጥዕና ሰፊሕ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ከምዘሎ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።

ዶ/ር መቅደስ ኣብ ቤጂንግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ልዑል ፎርም ቢዝነስ ኢትዮ-ቻይና ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘሎ ኩነታት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን፡፡

ኣብ መብርሂቸን ድማ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሰፊሕ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ከምዘሎ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፋርማሲቲዩካል ጥራሕ ብዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዘሎ ብምሕባር÷ ኣብ ዓውዲ ጥዕና 6ቀንዲ ቀንዲ ዘፈራት ተፈሊዮም ኣድላዪ መሰረተ ልምዓት ናይ ምምላእ ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ንሳቶም እውን ኣገልግሎት ጥዕና ቴሪሸሪ፣ ኣገልግሎት ዲያግኖስትክ፣ ምፍራይ እታወታት ሕክምና፣ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘድሀበ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ኣገልግሎት ቅድመ ሃንደበታዊ ሕክምና ከምኡ እውን ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ጥዕና ከምዝኾኑ ፀሪሐን፡፡

ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብ መብርሂአን÷ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ንዝሳተፉ መልማዕቲ መንግስቲ መበረታትዒ ሓዊሱ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምርግጋፀን እውን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.