ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ንምዕዋት ብትኹረት ከምዝስራሕ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ንምዕዋት ብትኹረት ከምዝስራሕ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ሓደሽቲ ምስ ዝተመደቡ ቦርድ ኣመራርሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተዛቲዮም፡፡
ብ ዘተኦም ድማ ሓደሽቲ ምስ ዝተመደቡ ቦርድ ኣመራርሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ንምዕዋት ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።
እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ኣብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን እቶም ኣባላት ቦርድ ሓላፍነቶም ፈሊጦም በበዓል ዋናን ብፍልጠትን ንኽመርሑ ንኽሕግዝ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።