Fana: At a Speed of Life!

‹‹ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016 ዓመተ ምህረት ፍሪያት ስርናይ ብልዑል ብርኪ ምውሳኹ ክሳብ ክንደየናይ ትፈልጡ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016 ዓመተ ምህረት ፍሪያት ስርናይ ብልዑል ብርኪ ምውሳኹ ክሳብ ክንደየናይ ትፈልጡ?

ንኡስ ተሓራሲ መሬት ዘለዎም ሓረስቶት 3.6 ሚሊየን ሄክታር ብምሕራስ 123 ሚሊየን ኩንታል እንተፍሪዩ ብመስኖ ካብ ዝተሓረሰ 2.9 ሚሊየን ሄክታር መሬት ድማ 107.7 ሚሊዮን ኩንታል ምፍራይ ተኻኢሉ ኢዩ። ፍሪያት ሰርናይ ኢትዮጵያ ኣብ 2016 ዓ.ም ብድምሩ 230 ሚሊየን ኩንታል በፂሑ ኣሎ።

ምስ ዘበነ ምህርቲ 2012 ዓ.ም እንትነፃፀር ንኡስ ተሓራሲ መሬት ዘለዎም ሓረስቶት ተረባሕነቶም 54 ሚሊየን ኩንታል ጥራሕ ኣፍሪዮም ነይሮም። ሎሚ እዚ ቁፅሪ ትርጉም ብዘለዎ መጠን ክብ ኢሉ ኣሎ። እዚ ብራኸ ብፅኑዕ ኣመራርሓ፣ ዘስርሕ ፖሊሲታት ኢሉ እውን ፍሪያት ንምውሳኽ ብዝተተግበረ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ዝተረኸበ ኢዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.