Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ምዕራብ ኣሜሪካ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን ልዕሊ 600 ሺሕ ዶላር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ኣብ ሎስ ኣንጀሎስን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሃገሮም ንምሕጋዝ ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊት፥ ኣብ ሎስ ኣንጀሎስን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ሃገሮም ንምሕጋዝ እናገበሩዎ ዝርከቡ ስራሕ ኣመስጊነን፡፡

እዚ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ኢትዮጵያ ካብ ዳያስፖራታት ክትረኽቦ ዝግበኣ ረብሓ ብዝለዓለ ብርኪ ንኽትረክብን፥ እቲ ኤጀንሲ ምስ ዳያስፖራ ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ እውን ገሊፀን፡፡

ቆንስላ ጀነራል ፌዴሪኢ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣምባሳደር ሙሉጌታ ከሊል ብግደኦም፥ ምሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ሃገራዊ ፕሪጀክታት ይኹን እዋናዊ ፃውዒታት እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ብምምስጋን፤ ኣብ ዘሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ምዕራብ ኣሜሪካ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን ልዕሊ 600 ሺሕ ዶላር ከምዝተኣከበ ገሊፆም፡፡

እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ምቕራቦም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.