Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንዝምዝገብ ዓወት ግደ ኣገልግሎት ኣቅርቦት ኣፋውስ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ኢዩ – ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንዝምዝገብ ዓወት ግደ ኣገልግሎት  ኣቅርቦት ኣፋውስ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከምዝኾነ ሚኒትር ጥዕና ዶዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣገልግሎት ኣቅርቦት ኣፋውስ ኢትዮጵያ ኣሰራርሑኡ ብምዝማን ምትእስሳር ኣቕርቡኡ ቅልጡፍ ንምግባር ካብ ዝሓዞም ትልሚታት ሓደ ERP (Entreprise Resource Planning) ምትግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ብምጥያሽ ሲዶር ምስ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ሶፍትዌር ኣቕራቢ ትካል ስነ-ስርዓት ክታም ኣካይዶም፡፡

ዶክተር ሊያ ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብብርኪ ሃገርን ዓለም ለኸን ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር፤ እዚ ዓወት ንኽመፅእ ግደ ኣገልግሎት ኣቅርቦት ኣፋውስ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ዶክተር ኣብዱልቃድር ገልገሎ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ትካል ብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ SMILE ፕሮጀክት ከምዝጀመረ ገሊፆም፡፡

በጀት እቲ ፕሮጀክት ድማ ብሓፈሻ 9 ሚሊየን ዶላር ወይ እውን 476 ሚሊየን ብር ከምዝኾ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.