Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝተዋፈሩ 61 ውልቀ ትካላት ዝሓቖፈ መድረኽ ምትሕብባር ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝተዋፈሩ 61 ውልቀ ትካላት ዝሓቖፈ መድረኽ ምትሕብባር ዘፈር ቅልቀ ተጣይሹ።

ምስ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምዃን ዝተጣየሸ እቲ መድረኽ ምትሕብባር፥ እቶም ውልቀ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ኣካል ንኽኾኑ ንምግባር ኢዩ፡፡

እቶም ትካላት ኣብ ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኤሌክቶኒክስ ንግዲ፣ ፋይናንሻል ቶክኖሎጂ፣ ቴክኖሎጂ ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂ ትምህርቲን ስሩዕ ንግዲን ዝተዋፈሩ ኢዮም፡፡

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ፥ ሓላፍነት እቲ ሚኒስቴር ማሕለኻታት እቲ ዓውዲ ዝኾኑ ምፍታሕን ምቹው ኩነታት ምፍጣርን ምዃኑ ብምሕባር፤ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ እቲ ዘፈር ክመርሖ ዝግባእ ዘፈር ውልቀ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“ከም መንግስቲ ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ዘለዉ ሕጊታት እናመሓየሽና ንርከብ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ዘፈር ውልቀ ሓጋዚ ካብ ምዃን ወፂኡ ሃፍቲን ዕድል ስራሕን ፈጣሪ ንኽኸውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮን ፕሮግራም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣሊባባን ኣብ ዘዳለዉዎ ስልጠና ልምዲ ምርካቦምን እዚ ልምዲ ብምጥቃም ነቲ መድረኽ ናብ ልዑል ዓቕሚ ከምዝቕይሩዎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.