ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት እዚ በጀት ዓመት ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ቀንዲ ቀንዲ ኣጀንዳታት መንግስቲ ኣብ ምስራፅ ዕዉታት ስራሕቲ ከምተሰርሑ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ይካየድ ኣሎ፡፡
አብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ÷ መንግስታዊ ኣጀንዳታት ኣብ ምስራፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።
እቲ ዓውዲ ንህዝቢ ኣብ ልምዓት ኣብ ምስታፍን ኣብ ምንቕቓሕን እውን ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተወገነ ብምሕባር÷ ከም ሃገር ብትኹረት እናተወገነ ኣብ ዝርከብ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ብተሳትፎ ህዝቢ ንኽሕገዝ ሚዲያ ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ ተዛሪቦም።
ከም በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማን ዝበሉ ሃገራዊ በዓላት ምስ ግቡእ መልእኽቶም ከምዝተሸፈኑ ብምሕባር÷ ንህንፀት ሰላምን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ልዑል እጃም ነይሩዎም ኢሎም።
ብኻሊእ መዳይ ድማ እቲ ዓውዲምስ ዘላቒ ህንፀት ሰላም ከምኡ እውን ኣፍረስቲ ሓበሬታታት ኣብ ምክልኻል ሕዚ እውን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተርፉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።