Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝርከቡ ፕሮግራማትን ፕሮጀክታትን ዘፈር ስግግር ንምቅልጣፍ ዓብዪ ግደ ኣለዎም – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝርከቡ ፕሮግራማትን ፕሮጀክታትን ዘፈር ስግግር ንምቅልጣፍ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎም ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኣባላት ኮሚቴ ስትሪንግ በክልላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ዓብዪ ኮሚቴ መጠናኸሪ ፕሮግራም ስርዓት ምግቢ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ 2016 በጀት ዓመት ትልሚ በጀት ዓመት 2017ን ተዛቲዩ።

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ስራሕቲ ብትልሚ ምምራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ትፅቢት ዝግበረሎም ውፅኢት ንኸመዝግቡ ብፅሬት ካብ ምትላም ጀሚሩ ብግቡእ ምምራሕ ስግግር ዓውዲ ሕርሻ ንምቅልጣፍ ዓብዪ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ትፅቢት ዝግበረሎም ውፅኢት ብምምዝጋብ መፍረያይነትን ፍርያትን እቲ ዓውዲ ከዕብዩ ከምዝግባእ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.