Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ህንፀት ምስ ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ጣሊያን ልዝብ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ረሻድ ከማል ኣብ ጣሊያን፣ ሮምን ሚላን ምስ ዝነብሩ ዳያስፖራታትን ኣብ ዓውዲ ህንፀት ምስ ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ጣሊያንን ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ረሻድ ከማል÷ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ-ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ዝነበሮም ዘተ÷ እቲ ኮርፖሬሽን ካብ ባህላዊ ኣሰራርሓ ከምኡ እውን ካብ ተመሳሰልቲ ብዙሓት ፀገማት ከምዝተናገፈ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ኮርፖሬሽ ኣብ ሓፂር እዋንን ዋጋን ተወዳዳሪ ዝኾነ ልምዲ ህንፀት ኣባይቲ ከምዘደንፈዐ ብምሕባር፤ እናዓበየ ዝርከብ ጠለብ ገዛ ዜጋታት ኣብ ግምት ዘእተወ ፕሮጀክት ህንፀት ኣባይቲ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘማእኸለ ህንፀት ኣባይቲ ንምጅማር ማዕቐፍ ሕጊ፣ ዲዛይን፣ ምስ ኣገልግሎታት ዕቋርን ልቓሕን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያት ዝራኸቡ ስራሕቲ ቅድመ-ምድላዋት ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ደሚቱ ሃምቢሳ÷ እቲ ኮርፖሬሽን ዳያስፖራ ዘሳትፍ ፕሮጀክት ንምጅማር ምድላዉ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምስ ልምዓት ሃገሮም ንኽተኣሳሰሩ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝፃወት ምግላፀን ካብቲ ኮረፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.