Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ መናእሰይ ዝጠመተ ፓናል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ንመበል 24 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 21 ግዘ ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ መናእሰይ ዝጠመተ ፓናል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ፓናል ዘተ÷ “መናእሰይ ብቴክኖሎጂ ምብቃዕ ንሸቶታት ዘላቒ ልምዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 6 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ መናእሰይ ኣመልኪቱ ዝተሰናደአ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዴኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ወ/ሮ ሙና ኣህመድ÷ እቲ ዕለት በዚ መሪሕ ሓሳብ ምኽባር ዘድለየሉ ምኽንያት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንዘላቒ ልምዓት ብዘለዎ ልዑል ብፅሒት ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ዓውዲ ቀፃሊ ኩነታ ዓለም ከምዝሕንፅፅ ብምሕባር፤ መናእሰይ ክጥቀሙ ኣብ ምግባር ዝፃወቶ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ስራሕን ካብ ዝተፈላለዩ ውዳበባት መናእሰይ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ብትዝታ ደሳለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.