ኣብ ዒራቕ ኣብ ሆስፒታል መውሃቢ ሕክምና ቫይረስ ኮሮና ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 82 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዒራቕ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል መውሃቢ ሕክምና ቫይረስ ኮሮና ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 82 ሰባት ህይወቶም ከምዘሓለፈ ተገሊፁ።
ህይወቶም ካብ ዝሓለፈ ሰባት ብተወሳኺ 100 ዝኾኑ ናይ ምቑሳል ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ተባሂሉ፡፡
እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበረ መትሓዚ ኦክሲጅን ብምፍንጃሩ ዘትፈጠረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ከም መግለፂ ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ዒራቕ፥ ኣብቲ ሆስፒታል ስርዓት መከላኸሊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘይምህላዉ እቲ ሓዊ ብቕልጡፍ ንኽስፋሕፋሕ ዕዙዝ ምኽንያት ከምዝፈጠረ ኢዩ፡፡
ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!