Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲታት ልዕሊ ብር 43 ሚሊየን ግምት ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲታት ልዕሊ ብር 43 ሚሊየን ግምት ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ካብ 1 ክሳብ 5 ግንቦት 2012 ዓ.ም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፣ ዶላራት፣ ሰላም ሕብረተሰብ ዘናግዑ ጠያይቲን መሳርሒታትትን ዕድጊት ምስዝፍፅሙ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ፥ ሚኒስቴር እቶት ኣይተ ላቀ አያሌው ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እቶም ሚኒስትር፥ ንፖሊስ ፌዴራል፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ንኹሎም ኣካላት ፀፅታን ኣመራርሓታት ክልልን ከምኡ እውን ኣድላዪ ምትሕብባር ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.