Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንምክያድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንምክያድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ሰለስተ ዓማውቲ ዝትግበር ፕሮግራም ልምዓት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እቲ ፕሮግራም፥ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን፣ ቆፀራ ኢኮኖሚ፣ ግብርና  ንምክያድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፁ።

ሚኒስትር ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፥ ኣብ ቆፀራ ግብርና ሓዱሽ ስርዓት ግበርና ውሽጢ ዝኣተዉ ልምዓት ሰርናይ ሓጋይ ሓዊሱ ሓበሬታ ዝተወደበ ዓውዲ ግብርና ነክህሉ ክግበር ኢዩ ኢለን።

ብተወሳኺ ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንምክያድ መንግስቲ ልዑል ባህጊ ከምዘለዎ ተዛሪበን።

ብመሰረት ዓለም ለኸ መዐቀኒ ንምፍፃም ዘኽእሉ ምቹኣት ኩነታት ብዘይምህላዉ ክሳብ ሐዚ እቲ ቆፀራ ምግባር ከምዘይተኽኣለ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.