Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ክልል ኣብ ዝርከባ ጨንፈር ባንኪታት ዘረፋ እናፈፀመ ከምዝኾነ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ክልል ኣብ ዝርከባ ጨንፈር ባንኪታት ዘረፋ እናፈፀመ ከምዝኾነ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይን ዝምልከተቶም ኣካላትን እቶም ባንኪታት ከይዝረፉ ዝከኣሎም ብፅሒት ንኽዋፅኡ እቲ ባንኪ ፃውዒት ምቕራቡ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ሕዚ ኣብ ዘሎ ኩነታት ኣብቲ ክልል ዝርከባ ባንኪታት ግልጋሎት ምሃብ ስለዘይኽእላ ተዓፂየን ክፀንሓ ከምዝግባእ ኢዩ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.