Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸፈቶ ወፍሪ ንምምካት ብዝተኸፈተ ኲናት ንፁሃን ዜጋታት ንከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝተገበረ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸፈቶ ወፍሪ ንምምካት ብዝተኸፈተ ኲናት ንፁሃን ዜጋታት ንከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝተገበረ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ምክትል ጠቅላይ ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምሕላውን ሃገር ካብ ባዕዳዊ ወራር ንምሕላውን ዓሊሙ ኣብ ልዕሊ ዝተዳለወ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ክሕደት ሃገር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ፖለቲካ ብፖለቲካዊ መገዲ ክፍታሕ እናተገበኦ እዝ ሰሜን ብናይ ባዕሉ ወገን መጥቃዕቲ ተኸፊቱዎ ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ጥቕዓት ምስተፈፀሞ ብዝተማልአ ብቕዓት ይምክት ምህላዉ ድማ ተዛሪቦም።

እቲ ዝተኸፈተ ኲናት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝዛዘም ኣፍሊጦም።

ኣብ ሰሜን ዘሎ ሰራዊት ንምሕጋዝ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት እዛ ሃገር ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

እቲ ኲናት ብምዝዛም ሰላም ንምንጋስ ኣብ ዝግበር ከይዲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝኾነ ብተግባር ኣርእዩ ኢዩ ኢሎም።

ተገዲዱ ናብ ኲናት ዝኣተወ ፍሉይ ሓይሊ እውን ተቓውምኡ ብግልፂ ኣቕሪቡ ኢዩ ኢሎም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብቲ ኲናት ዝቖሰሉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ንሕክምና የምፅኦም ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ንህዝቢ ስምዒት ከምዘይብሉ ብዝኸፈቶ ኲናት ኣረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ሓረስታይ እቶቱ ኣብ ዝእክበሉ ዘሎ እዋን ዝተኸፈተ ኲናት ውፅኢት ልፍዓት ሓረስቶት ብጥይት ንክባራዕ እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ኮነ ኢሉ ዘቀነባበሮ መጥቃዕቲ ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ ጉጅለ፥ ትግራይ ዓውደ ኲናት ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ድማ ግንባር ግብረ ራዕዲ ንምግባር ቆሪፁ ብምልዓሉ ኩሉ ዜጋ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንክስለፍ ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.