ኣብ ዋሽንግተን ልዕል 60 ሰባት ዘሳፈረት ነፋሪትን ሰለስተ ወተሃደራት ዝሓዘት ሄሊኮፕተርን ተላቲመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ልዕል 60 ሰባት ዘሳፈረት ነፋሪትን ሰለስተ ወተሃደራት ዝሓዘት ሄሊኮፕተርን ኣብ ኣየር ምልታመን ተገሊፁ።
ምምሕዳር ኣቬሽን እታ ሃገር፥ እታ ነፋሪት 60 ተጓዓዝቲን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ገሊፁ።
እቲ ምልታም ድሕሪ ምግጣሙ ኣብ ውሽጢ ቃላይ ምእታወን ተሓቢሩ።
ፖሊስ፥ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ተዋፊሮም ብጀልባታት ዝተሓገዘ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ይሰርሑ ከምዘለዉ ቢቢሲ ፀብፂቡ።