Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ጉዕዞ ኣመልኪቶምን ንዝተመዛበሉ ወገናት ምሕጋዝ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምይይጥ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኮሎራዶ፤ ሲያትል፤ ከምኡ እውን ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተገበረ ፃውዒት በዓል ልደት ኣብ ኢትዮጵያ ንምብዓል ኣመልኪቱ ንዝተመዛበሉ ወገናት ንምሕጋዝ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምይይጥ በይነ መረብ ገይሮም።

እቶም ዲያስፖራታት ንዝተመዛበሉ ወገናት ንምሕጋዝ እናገበርዎ ካብ ዝርከብ ድጋፍ ጎና ጎኒ፤ እቶም ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅ ርብርብ ንኽገብሩ ፃውዒት ቐሪቡ።

ኣብ ጄነቫ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ÷ ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ከም እውን ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢሚግሬሽን ኤጀንሲ ወሳኒ ኩነትን ዜግነትን ኣይተ ታምሩ ገንበቶ ተረኺቦም።

ኣብ ሰለስቲኦም መድረኻት ዝተሳተፉ ኣባላት ኣወዳድባ ዲያስፖራ ከም ዝበልዎ÷ ኢትዮጵያ እትርከበሉ እዚ ከቢድ እዋን ንክትሓልፎ ድጋፍ ኩሎም ደቃ ከምዘድልያ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ እውን ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ኹሉ ኣብ ጎኒ ሃገሮም ንምስላፍ ድልዋት ከምዝኾኑ ምዝራቦም ካብ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.