Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተቐበሉ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣለዉ።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመፅኡ እቶም ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ድሙቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝግበር ዘሎ ስነስርዓት ኣቀባብላ ሚኒሰትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ ሚኒስትር እቶን ኣይናለም ንጉሴን ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ደበሌ ቃበታን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

“Back to your origins” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ዙራት ናይ ምእታው ስራሕ ዝካየድ እንትኸወነ፥ ካብ 20 ታሕሳስ ክሳብ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ዙር ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ኢዮም።

ነቲ ፃውዒት ብምቕባል ንዝመፅኡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዋጋ በረራ ትኬት፣ ሆቴላት፣ ትካላት ህወፃ ቅናሽ ብምግባር ንተኣናገዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.