ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሃገራዊ ልዝብ ንክሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሃገራዊ ልዝብ ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ፖለቲካን ሓሳብን ከምኡወን ክፍሊታት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣዝዮም መሰራታዊ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት ኣፈላለያት ሓሳብን ዘይርድዳእን ይረአ ኢሉ።
እቲ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳእን ምፍታሕን ሃገራዊ ምርድዳእ ምግባርን ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂቡ።
ስለዝኾነ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሃገራዊ ልዝብ ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እዚ ንምግባር ዘኽእል ብዙም ኣኼባ ንምግባር ትልሚ ከምዝሓዘ ገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኣፍሪካ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣውሮፓን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን 1 ሓምለ 2015 (8 ሓምለ 2023)፣ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ ከምኡወን ኦሺንያን እስያን ምስ ዝነብሩ ድማ 2 ሓምለ 2015 (9 ሓምለ 2023) ብዙም ኣኼባ ከመዝካየድ ተገሊፁ።
ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ካብ 20 ክሳብ 29 ሰነ 2015 ዓ.ም ( ካብ 27 ሰነ ክሳብ 6 ሓምለ 2023) ከምዝካየድ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።