Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ውድድራት ሓፂር፣ ማእኸላይ፣ 3 ሺሕ ሜትሮ መሐንኩሎ ወዘተ  ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ውድድራት ሓፂር፣ ማእኸላይ፣ 3 ሺሕ ሜትሮ መሐንኩሎ፣ ተግባራት ሜዳን ስጉምን ከምዝካየዱ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ውድድር፥ 21 ጋንታታት፣ ክልተ ማእኸላት መሰልጠኒን ሓደ ኣካዳሚን ሓዊሱ 24 ትካላት ከምዝካፈላ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ 331 ደቂ ኣኒስቲዮን 416 ደቂ ተባዕቲዮን ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ወርቅነሽ መለሰ፣ ኣክሱማዊት እምባዬ፣ ሳሮን በርሀ፣ ነፃነት ታደሰን ፍሬህይወት ገሰሰን ብደቂ ኣኒስቲዩ ክልሳተፋ ኢየን።

ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ታደሰ ለሚ፣ ጌትነት ዋለ፣ ኣብርሃም ስሜ፣ ሳሙኤል ፍሬው፣ መዝገቡ ስሜ፣ መለስ ንብረትን ኣድሓና ካሕሳይ ካብ መንጎ እቶም ዝሳተፉ ኣትሌታት ተረቋሕቲ ኢዮም።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.